
ኣሕተምቲ ደርማስ
Dermas Publishers
ኣብ መንኵብ ዓርሞሽሻት ንሰቐል!
ኣብ መንኵብ ዓርሞሽሻት ንሰቐል!
ኣሕተምቲ ደርማስ ካብ 2021 ጀሚሩ፡ ካብ ፍልስፍና ኽሳብ ስነ-ኣእምሮ፡ ካብ ጥንታዊ ታሪኽ ክሳብ ዘመናዊ ታሪኽ፡ ካብ ርእሰ-ዕብየት ክሳብ ምምሕዳር ገንዘብ፡ ካብ ክላሲካዊ ልብወለድ ክሳብ ፈንጠዝያ፡ ካብ ባህሊ ኤርትራ ኽሳብ ስነ-ግጥሚ ኤርትራ ዝዝርግሑ ዝተፈላለዩ መጻሕፍቲ የሕትም። ማራኺ ዛንታታት፡ ሃብታም ልቦናታት ከምኡ’ውን ናይ ውሩያት ጸሓፍቲ ኣስተብህሎታት ንምስትምቓር ተጸንበሩና። ምስ ኣሕተምቲ ደርማስ ኣብ መንኵብ ዓርሞሽሻት ተሰቒልኩም ኣርሒቕኩም ኣማዕድዉ።
© Dermas Publishers 2025
© Dermas Publishers 2025

ወዲ ሃብታምን ወዲ ድኻን
ሮበርት ኪዮሳኪ
(ብዮናታን ብርሃነ ዝተተርጐመ)
ሮበርት ኪዮሳኪ ንዓሰርተታት ሚልየናት ሰባት ኣብ ገንዘብ ዘሎዎም ኣጠማምታ ከም ዝቕይሩ ገይሩዎም እዩ። ኣብ ገንዘብን ወፍርን ዘሎዎ ኣጠማምታ ኣንጻር‘ቲ ንነዊሕ ዝጸንሐ ኣጠማምታ ብምዃኑ፡ ሮበርት ብግሉጽ ኣዘራርባኡን ድፍረቱን ከም ውፉይ ተጣባቒ ገንዘባዊ ትምህርቲ ዓለምለኻዊ ተፈላጥነት ኣጥርዩ ይርከብ።ዝበዝሑ ሰባት ምሉእ ዕድመኦም ኣብ ቤት-ትምህርቲ ተኣሊኾም ከነሶም ብዛዕባ ገንዘብ ግን ከይተማህሩ ይወጽኡ። ዝበዝሑ ሰባት ንገንዘብ ንኽሰርሑ ኢሎም እዮም ዝምሃሩ፡ ገንዘብ ንኣቶም ንኽሰርሓሎም ኢሎም ኣይምሃሩን እዮም።

ሃሪ ፖተር፥ እታ እምነ-ተኣምራት
ጀይ ከይ ሮውሊን
(ብኣሃዱ ደስታኣለም ዝተተርጐመ)
ኣብ 1997 ዝተሓትመት ቀዳመይቲ መጽሓፍ ካብ ተኸታተልቲ መጻሕፍቲ ሃሪ ፖተር (Harry Potter and the Philospher's Stone) ናብ ሰማንያ ቛንቋታት ተተርጕማ ትርከብ። ብሓፈሻ ድማ ዓለምለኻዊ ሽያጥ መጻሕፍቲ ሃሪ ፖተር ልዕሊ 500 ሚልየን በጺሑ ኣሎ።ንኣ [እምነ-ተኣምራት] ምውናን ማለት ትደልዮ ገንዘብን ዕምሪን ምውናን ማለት እዩ – ደቅሰብ ልዕሊ ዝኾነ ነገር ዝብህጉወን እተን ክልተ ነገራት። እቲ ሽግር ግን ደቅሰብ መጥፊኢኦም ናይ ምልላይ ብሉጽ ክእለት ኣሎዎም።

48 ሕግታት ሓይሊ
ሮበርት ግሪን
(ብዮናታን ብርሃነ ዝተተርጐመ)
ኣብ 48 ሕግታት ሓይሊ ዘሎ ጽሑፋት ናይ ልዕሊ ሰለስተ ሽሕ ዓመታት ዕድመ ኣሎዎ፤ ካብ ጥንታዊት ቻይና ክሳብ ናይ ዘመነ-ተሃድሶ ኢጣልያ ክሳብ ዘመናዊት ዓለም።ኣብ ልዕሊ ሰባት ዝኾነ ሓይሊ ዘይብልና ኮይኑ ክስምዓና ኣይንደልን ኢና። ዝኾነ ሰብ መመሊሱ ሓይሊ ክውስኽ ጥራይ እዩ ዝደሊ። ኣብ ዘመንና ምሒር ደላዪ ሓይሊ ምምሳል ግን ሓደገኛ እዩ። ስለዚ ረቂቕ ክትከውን ኣሎካ፤ መስኪን ግን ጐራሕ፡ ደሞክራስያዊ ግን ከኣ ተንኰለኛ።

ትርጕም ምንባር
ቪክቶር ኢ. ፍራንክል
(ብኣሃዱ ደስታኣለም ዝተተርጐመ)
እዛ ኻብ ኣዝየን ጸለውቲ መጻሕፍቲ ዓለምና ምዃና ዝምስከረላ መጽሓፍ'ዚኣ ብዛዕባ‘ቲ ቪክቶር ፍራንክል ካብ 1942-1945፡ ኣብ ኣርባዕተ ዝተፈላለያ መዓስከራት ናዚ (እንተላይ ኦሽዊትስ) ዘሕለፎ ንምእማኑ ዘጸግም ጽንኩር ህይወት ተዘንቱ።ንስቓዮም ብቑዓት እዮም ነይሮም፡ ንስቓዮም ክጸሩዎ ምኸኣሎም ውሽጣዊ ዓወት እዩ ነይሩ። ንህይወት ትርጕምን ዕላማን ዝህባ፡ እዚ ክውሰድ ዘይከኣል መንፈሳዊ ናጽነት እዚ እዩ።
© Dermas Publishers 2025
© Dermas Publishers 2025

ብስለምንታይ ንጀምር
ሳይመን ሲኔክ
(ብነቢይ ሓይለኣብ ዝተተርጐመ)
ዝኾነ ሰብ ይኹን ተቕዋም እንታይ ከም ዝገብሩ ክገልጹዎ ይኽእሉ እዮም፣ ብኸመይ ካብ ካልኦት ከም ዝፍለዩ ወይ ዝበልጹ ክገልጹ ዝኽእሉ’ውን ኣለዉ፣ ስለምንታይ ክገልጹ ዝኽእሉ ግን ኣዝዮም ውሑዳት እዮም። ስለምንታይ፡ ብዛዕባ ገንዘብ ወይ መኽሰብ ኣይኮነን - እዚኦም፡ ውጽኢታት እዮም። ስለምንታይ፡ ብዛዕባ እቲ ንኣና ዘነቓቕሓናን ነቶም ኣብ ዙርያና ዘለዉ ዘነቓቕሕን ነገራት እዩ።ናይ ሓደ መራሒ ተራ ኵሉ ብሉጽ ሓሳባት ምምንጫው ኣይኮነን፣ እኳ ደኣ ብሉጽ ሓሳባት ክፍጠረሉ ዝኽእል ሃዋሁው ምፍጣር እዩ።

ሸያጢ ዕድል
ብእምነት ጸጋይ
ሸያጢ ዕድል፡ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ህይወት ዝዳህሰሱ፡ ዝምህርን ዘዘናግዕን ከምኡ’ውን ዘሐጉስን ዘሕዝንን ሓሳባት ዝሰነቑ ዓሰርተ ሓጺር ዛንታታት ሒዛ ኣላ። ኣብ’ዘን ዛንታታት፡ ደራሲ ብግዜን ቦታን ከይተደረተ ኣብ ሕሉፍን ህሉውን ቆይሙ ናይ ርሑቕን ቀረባን ፍጻመታት ብልብ-ወለዳዊ መገዲ ኣብ ህይወት ክሕንብስ ፈቲኑ ኣሎ። ከም ተስፋ፡ ሞራል፡ ህድኣት፡ ፍቕሪ፡ ናፍቖት፡ እምነት፡ ጣዕሳ፡ ስደት፡ ስነ-ጥበብ፡ ፍርሒ፡ ክብርታት፡ ዕድል፡ ዕግበት ወዘተ ዝብሉ ኣምራት ህይወት ተናኺፉዎም ኣሎ።ታሪኽን ባህልን ሕብረተ-ሰብ ክስንድ ዝነቐለ ስነ-ጥበበኛ፡ ታሪኹ ኣብ ምስናድ ሰነፍ ኮይኑ ክትርእዮ ኣዝዩ እዩ ዘስደምም።

ሰለይቲ ጊደዎን
ጎርደን ቶማስ
(ብባስልዮስ ዘሞ ዝተተርጐመ)
ኣብ ምስጢራዊ ዓለም ሰለይትን ሕቡእ ስርሒታትን ከም ሞሳድ ገይሩ ብጽዋታትን ምስጢራትን ዝተኸበበ ትካል ስለያ የሎን። ጎርደን ቶማስ፡ ምስ ወኪላት ሞሳድ፡ ተሓባበርትን ላዕለዎት ሓለፍትን ካብ ዘካየዶ ቃለ-መሕትታት ከምኡ’ውን ምስጢራዊ ሰነዳት ዝኣከቦ ሓበሬታን ታሪኽን ብልቢ ዘንጠልጥል ኣዘናትዋ ኣቕሪቡዎ ኣሎ።ዘይተነግረ ዛንታ ትካል ስለያ ሞሳድ

ኣርባዕተ ስምምዓት
ዶን ሚጌል ሩዊዝ
(ብጎይትኦም ሳህለ ዝተተርጐመ)
ኣብዛ መጽሓፍ’ዚኣ ደራሲ ኣብ ኣፈ-ታሪኻት ቶልቴክን ስነ-ፍልጠትን ዝተመርኰሰ፡ ናብ ነባሪ ውልቃዊ ለውጢ ዘብጽሑ ተግባራዊ ስጒምትታት ዘጠቓለለ ሓድሽ ዓይነት ፍልስፍና ኣዳልዩ ኣሎ። እዛ መጽሓፍ’ዚኣ ኻብቲ ዝተሓትመትሉ ዓመተ 1997 ጀሚራ ኣብ ኣመሪካ ጥራይ ልዕሊ 12 ሚልዮን ቅዳሓት ተሸይጣ ትርከብ።ኣብ ርእስና ብዙሓት ዓበይቲ ሓሳባት ክህልዉ ይኽእሉ እዮም፤ እቲ ጽልዋ ዝፈጥር ግና ተግባር እዩ።
© Dermas Publishers 2025
© Dermas Publishers 2025

ተፈታውን ተሰማዕን ንምዃን
ደይል ካርንጌ
(ብኣሃዱ ደስታኣለም ዝተተርጐመ)
ተፈታውን ተሰማዕን ንምዃን ካብቲ ዝተሓትመትሉ 1936 ጀሚራ፡ ክሳዕ ሕጂ ካብ ሕትመት ወጺኣ ኣይትፈልጥን እያ። ኣብ 2011፡ ብመጽሔት Time፡ መበል 11 ጸላዊት መጽሓፍ ናይ ዓለምና ተባሂላ ተጸዊዓ። ናይ ኣመሪካ ላይብረሪ ኦፍ ኮንግረስ ድማ ኣብ ታሪኽ ኣመሪካ 7ይቲ ጸላዊት መጽሓፍ ክብል ሰምዩዋ።እቲ ትሃርፎ ስራሕ፡ ክትረኽቦ ትኽእል ኢኻ!
እቲ ዘለኻዮ ስራሕ፡ ከተማዕብሎ ትኽእል ኢኻ!
ንዝኾነ ኵነት፡ ናብ ጥቕምኻ ክትልውጦ ትኽእል ኢኻ!

ኣበር ከዋኽብትና
ጆን ግሪን
(ብሄርሜላ ተኪኤ ዝተተርጐመ)
ዋላ‘ኳ ንምስፍሕፋሕ ጥረኣ ዘጕድል ተኣምራዊ ሕክምና እንተ ተረኽበ፡ ናይ ሄዝል መፈጸምታ ግን ገና ክትሓምም ከላ እዩ ተጻሒፉ። ምስ ኣጋስተስ ዋተርስ ዝተባህለ ሰብ ኣብ ናይ መንሽሮ ናይ ሓገዝ ጕጅለ ምስ ተላለየት ግን ናይ ሄዝል ዛንታ ምሉእ ብምሉእ እዩ ተለዊጡ። ኣበር ከዋኽብትና ነቲ ልቢ ዝሰልብ፡ ዘስሕቕን ዘሕዝንን ሸነኻት ናይ ምንባርን ፍቕርን ብዘደንቕ ኣገባብ ዳህሲሳቶ ኣላ።”ኣብዛ ዓለም ክትህሰ ዲኻ ኣይክትህሰን ክትመርጽ ኣይትኽእልን ኢኻ፡ መን ይሃስየካ ግን ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ።

ኣቶማዊ ልምድታት
ጀይምስ ክሊር
(ብኣሃዱ ደስታኣለም ዝተተርጐመ)
ልምድታትካ ክትልውጥ ትሽገር እንተለኻ እቲ ሽግር ንስኻ ኣይኮንካን፡ ኣገባብካ እዩ። ሕማቕ ልምድታት ዝደጋገሙሉ ምኽንያት ንስኻ ክትልወጥ ስለ ዘይደለኻ ኣይኮነን፡ ብጌጋ ኣገባብ ክትምራሕ ትፍትን ስለ ዘለኻ እዩ።ብንኣሽቱ ለውጥታት፡ ዓበይቲ ውጽኢታት።

ምስለይ
ሓድሽ መጐስ
ምስለይ፡ ገጣሚ ካብ 2008 ክሳዕ 2022 ኣብ ዝነበረ ዓመታት ካብ ዘፍረዮም ግጥምታት ዝተሓረያ 104 ግጥምታት ሒዛ ትርከብ። እዞም ግጥምታት ኣብ ዝተፈላለየ ግዜን ኵነታትን ዝተጻሕፉ፡ ነፍስወከፎም ናይ ገዛእ-ርእሶም መበገሲ ዛንታን ፍጻመን ዘሎዎም፡ ዝተፈላለየ ትሕዝቶን ቅርጽን ዝሓዙ፡ ካብ ዓንኬል ትዕዝብታት ገጣሚ ዝመንጨው ተመስጦታት ጥራይ ዘይኮኑ ኣድማሳዊ ምስሊ ዝለበሱ ንገጣሚ ዝመስሉ ግጥምታት እዮም።… ምግጣም እዩ ዋኒነይ ምግጣም ምግጥጣም
ብሓሳብ ብግብሪ ወትሩ ምጥምጣም
ምግጣም‘ንድዩ ዋና፡ ሓዝ ክሕዝ ዘይብሉ
ሓርጐጽጐጽ ዝበዝሖ ዓቐበ-ቁልቁሉ
ስንፍናይ ኣሚነ ስሕቕ ዝውዕለሉ …
© Dermas Publishers 2025
© Dermas Publishers 2025

Baba Abura Baba Bara
Gideon Kalifa
Woynodañala batafala koya kulasibbu kona kišamowa nakosasake. Miškeletta gura natakemma anala minda artasi nakoyake. Komala komengele kinamma kwasi koma ibinno nantinaynamme ide okodoka kwa abura šoldiya kasaratoskinammana nantinaynamme.
Ditta kwa artela woyna abura košanasi koynama niyatiyowa šolda kasaratomunnimasi koynama kaylowabbu mannosuman deya. Tekasas dine masala abarmowa woyna ‟kwa bubiya kuya mannoda kuwana hesunan ditta bala hesuna kwa kosimme” sumowa deya.Barena agastanena šoldasidab kosananan ditta
Aburesi šolda imesi kisankišona.

ሳፕየንስ
ዩቫል ኖዋ ሃራሪ
(ብዮናታን ብርሃነ ዝተተርጐመ)
እዛ መጽሓፍ፡ 'ኣብ መንጐ ታሪኽን ስነ-ህይወትን ዘሎ ዝምድና እንታይ እዩ፧ ኣብ መንጐ ሆሞ ሳፕየንስን ካልኦት እንስሳታትን ዘሎ ቀንዲ ፍልልይ እንታይ እዩ፧ ኣብ ታሪኽ፡ ፍትሒ ኣሎ ድዩ፧ ታሪኽ መኣዝን ኣሎዎ ድዩ፧ ሰባት ምስ ግዜ ሕጉሳት ይኾኑ ኣለዉዶ፧’ ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ሕቶታት ክትምልስን ንሰፊሕ ታሪኽ ደቅሰብ ኣብ ሓንቲ መጽሓፍ ጠርኒፋ ከተዘንቱን ትፍትን ዓባይ መጽሓፍ እያ።ካብ ዘይረብሑ ኣህባይ ናብ ገዛእቲ ዓለም ክንልወጥ ዘሕለፍናዮ ብርቂ ታሪኽ ልቢ ብዝሰልብ ኣዘናትዋ

ሓይሊ ራእይ
ዶር/ ማይልስ መንሮ
(ብዕቝባገብርኤል ጴጥሮስ ዝተተርጐመ)
ዓወትካ ኣብ ቁጠባዊ ኵነታት ሃገርካ፡ እዋናዊ ጠለብ ዝረኽቡ ዘለዉ ዓይነታት ሞያ ይኹን ናይ ስራሕ ዕዳጋ ኣይምርኰስን እዩ። በቲ ሰባት ኣይትኽእሎን ኢኻ ዝብሉኻ ወይ ድማ በቲ ሓጺሩኒ ትብሎ ጸጋታት ተሰናኺልካ ደው ምባል ኣየድልን እዩ። እዛ መጽሓፍ፡ መን ምዃንካ ወይ ካበይ መጺእካ ብዘየገድስ ንራእይካ ምልኣት ከም ትህብ ዝገብሩ ብሉጻት መምርሒታት ሒዛ ኣላ።ተራ ህይወት ክትነብር ኣይተፈጠርካን። ደሞዝ ንኽትክፈል ጥራይ ኣይተፈጠርካን። ንህይወት ዘለካ ሃረርታ ኣበራብሮ፡ ሕልምኻ ሰዓቦ። ራእይኻ ርኸቦ‘ሞ ንሓቀኛ ህይወትካ ክትረኽቦ ኢኻ።

ኣብ ኣክራ ዝተረኽበ ብራና
ፓውሎ ኮልዮ
(ብፍጹምብርሃን ዘርእስላሴ ዝተተርጐመ)
ኣብዛ ማራኺት ኖቨል'ዚኣ ህቡብ ጸሓፊ ፓውሎ ኰልዮ እታ ኣብ ድርኵዅት ብርሰት ዝነበረት ከተማ ዝስምዓ ዝነበረ ጓሂ ብግሩም ኣገባብ ኣቕሪቡዎ ኣሎ። እቶም ብፍርሒ ዝተዋሕጡ ህዝቢ ነቲ ግሪኻዊ ምኽርን ምጽንናዕን ሃሪፎም ይሓቱዎ፣ ንሱ ድማ ብዛዕባ’ቲ ንመዓልታዊ ህይወትና ዝቐርጽ መትከላትን ስለምንታይ ንዕንወት እየሩሳሌም ሓሊፎም ንወለዶታት ከም ዝነብሩን ይነግሮም።ዝዓበየ ጥበብ ህይወት ናይ’ቶም ገላዩ ክገብሩና ዝፍትኑ ነገራት ጐይቶት ክንከውን ከም እንኽእል ምግንዛብ እዩ።
© Dermas Publishers 2025
© Dermas Publishers 2025

ሚልዮነር ጐረቤትና
ቶማስ ጀይ ስታንሊ፡ ዊልያም ዲ ዳንኮ
(ብነቢይ ሓይለኣብ ዝተተርጐመ)
“ብኸመይ ደኣ ኣነኸ ሃብታም ዘይኮንኩ፧” ብዙሓት ሰባት ነዚ ሕቶ'ዚ ንነብሶም ካብ ምሕታት ዓዲ ኣይውዕሉን እዮም። መብዛሕትኡ እዋን እዞም ሰባት ጻዕራማት፡ ኣዝዮም ምሁራትን ልዑል ኣታዊ ዘሎዎምን እዮም። ስለምንታይ እዩ ደኣ ኣዝዮም ውሑዳት ሰባት ጥራይ ሰብ-ጸጋ ዝኾኑ፧ እቲ መልሲ፡ ኣብዛ ንልዕሊ ዕስራ ዓመታት ንሰባት ካብ ምምሃር ዓዲ ዘይወዓለት መጽሓፍ ተጻሒፉ ኣሎ።እቶም ናይ ብሓቂ ሃብታማት ኣብ ርሻናት ዘይኮኑስ ኣብ ጐረቤትካ እዮም ዝነብሩ።

ምጭናቕ ገዲፍካ ምንባር ጀምር
ደይል ካርንጌ
(ብዮናታን ሃብተኣብ ዝተተርጐመ)
እዛ መጽሓፍ’ዚኣ ንኸተንብባ መሳጢት፡ ንኸተትግብራ ቐላል ኮይና ኣብ መሰረታዊ ስምዒታትን ህይወት ዝቕይር ሓሳባትን እያ እተተኵር። ብሰንኪ ሻቕሎትን ጭንቀትን ካብ ምሉእን ንጡፍን ህይወት እትሕረመሉ ምኽንያት የሎን!እቲ ዝበለጸ ምድላው፡ ንጽባሕ ኣብ ሎሚ ኣተኲርካ፡ ብምሉእ ዓቕምኻ ውጽኢታዊ ስራሕ ምስራሕ፡ እዩ።

እቲ ዝሓየለ ሸያጢ ኣብ ዓለም
ኦግ ማንዲኖ
(ብኢንጅ. ቶማስ በርሀ ዝተተርጐመ)
ዝመርሓኒ ጓሳ ዝጽበ በጊዕ ኣይኮንኩን። ኣነ ኣንበሳ እየ፣ ምስ ኣባጊዕ ክጓዓዝን ክድቅስን ክዛረብን ድማ ፍቓደኛ ኣይኮንኩን። ሕማሞም ተላባዒ ብምዃኑ፡ ነቶም ዘዕዘምዝሙን ዘመሳምሱን ኣይክሰምዖምን እየ። ንሳቶም ናብተን ኣባጊዕ ይጸንበሩ። ኣነ ግና ቤት-ማሕረዲ ፍሽለት ጽሕፍቶይ ኣይኮነን። ደጋጊመ ክፍትን፡ ክፍትን፡ ክፍትን እየ። ንነፍስወከፍ መሰናኽል ከም ናብ ሸቶይ ዝመርሓኒ መገድን ንሞያይ ዝጸርብ መንደልን ክወስዳ እየ። ልክዕ ከምቲ ባሕረኛ ኣንጻር ነፍስወከፍ ማዕበል ብምሕንባስ ጥንካረ ዘማዕብል ኣነ’ውን ብተመሳሳሊ ጸኒዐ ብቕዓተይ ከዕቢ እየ። ክሳዕ ዝዕወት ኣይክሕለልን እየ።ክሳዕ ዝዕወት ኣይክሕለልን እየ። ኣብዛ ዓለም ንስዕረት ኢደይ ኣይክህብን እየ፣ ውድቀት ድማ ብፍጹም ቘርበተይ በሲዑ ኣይከሕምቐንን እዩ።

መወጽ ለይቲ
መሓሪ ዑቕባሚካኤል (ጠዊል)
እዚ መጽሓፍ’ዚ ገለ ኻብቲ ኽሳዕ ሕጂ ብዝግባእ ዘይተጸንዐ ኣፋዊ ያታታት ትግርኛ ዘጠቓለለ እዩ። ካብ ተራ ኣንበብቲ ሓሊፉ ዝዓመቘ መጽናዕቲ ኽገብሩ ንዝደልዩ፡ ባህሊ ዝመሰረቱ ፍርያት ስነ-ጥበብ ከዳልዉ ንዝደልዩ ኸምኡ‘ውን ንዝተፈላለዩ ትካላት ትምህርቲ‘ውን ክጠቅም ይኽእል እዩ። ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ንዝርከቡ፡ ባህሎም ናብ ውሉዶም ከውርሱ ንዝደልዩ ወገናት‘ውን ሓጋዚ ክኸውን ይኽእል እዩ።ኣካ ገሌኹምስ ብግዛዕ ተረዲእኩሞ ትዀኑ! ዕላል ቀዳመ-ሰንበት ቆብ ምባል ዘይትሓምቁ መኣስ ትሰኣኑ። ግዳ ዕላለይስ ኣይከም ግምትኩምን። ወዮ’ኳ ‘ለይቲ ኣይትመውጽ ነውሪ’ዩ’ ተባሂሉ ዝምኽነ።

ስምዒታዊ ብልሒ
ዳንኤል ጎልማን
(ብመም/ ባስልዮስ ዘሞ ዝተተርጐመ)
ጽሕፍቶና ብዓቐን ኣእምሮኣዊ ብልሕና ድዩ ዝውሰን፧ ዳንኤል ጎልማን ኣብዛ ብርቂ መጽሓፉ፡ ንብልሒ ደቅሰብ ዝምልከት ኣጠማምታና ኣዝዩ ጸቢብ ምዃኑ እዩ ዝምጕት። ኣብ ሓሳብ፡ ምውሳድ ውሳነታትን ውልቃዊ ዓወትን ዝዓበየ ተራ ዝጻወት ረቛሒ፡ ኣእምሮኣዊ ብልሕና ዘይኮነስ ስምዒታዊ ብልሕና እዩ። ከም ነብሰ-ንቕሓት፡ ቍጽጽረ-ሃንደፍታ፡ ዘይምሕላል፡ ድርኺት፡ ተኻፋልነትን ማሕበራዊ ውሕልነትን ዝኣመሰሉ ባህርያት፡ ዕዉት ዝምድናታት ዝውንኑ፡ ኣሸገርቲ ዝርርባት ብዘይ ጸገም ከካይዱ ዝኽእሉ፡ ኣብ ቦታ ስራሕ ከዋኽብቲ ዝኾኑ ብሉጻት ሰባት ዘንጸባርቑዎም ባህርያት እዮም። ኣብዛ መጽሓፍ'ዚኣ እምበኣር፡ ጎልማን፡ ነቲ ንስምዒትን ርትዓውነትን ዝቈጻጸር ክፋል ሓንጎልና ዳግም ብምምርማር፡ ስምዒታዊ ብልሒ ኣብ ኩልና ክዅስኰሰሉን ክሕይለሉን ዝኽእል መገድታት እዩ ዘርእየና።
© Dermas Publishers 2025

ዓራትካ ኣንጽፍ
ኣድሚራል ዊልያም ኤች. ማክሬቨን
(ብኢንጅ. ቶማስ በርሀ ዝተተርጐመ)
ኣብዛ መጽሓፍ’ዚኣ ኣብ ሕመረት መደረኡ ዝተመርኰሰ ናይ ገዛእ ህይወቱን ኣብ ወተሃደራዊ ኣገልግሎቱ ዝረኸቦም ሰባትን ጽዋታት ኣጠቓሊሉ ይርከብ። እዚ ጽዋታት’ዚ ከመይ ጌርና ንዝገጥመና ብድሆታት ብቘራጽነት፡ ለውሃት፡ ክብርን ትብዓትን ንሰግሮም እዩ ዝምህር።ንዓለም ክንቅይር እንተ ደሊና፡ መዓልትና ዓራትና ብምንጻፍ ንጀምራ።

ኢኪጋይ
ሄክቶር ጋርስያ፡ ፍራንሴስክ ሚራሌስ
(ብሃብተኣብ ወልደመንቆርዮስ ዝተተርጐመ)
ኢኪጋይ እተባህለት ጃፓናዊት ኣምር፤ ‘ኵሉ ግዜ ትሑዝ፡ ኣብ ስራሕ ጽሙድ ምዃን ዘምጽኦ ሓጐስ’ ዝብል ሓርፋፍ ትርጕም ኣሎዋ። ኦኪናዋ እትባህለት ጃፓናዊት ደሴት ብፍላይ ካብ’ቶም ብገምጋም ዝበዝሑ ልዕሊ ሚእቲ ዝዕድመኦም ሰባት ዝርከቡላ ቦታ ናይ ዓለምና እያ። ናይ ደቂ ኦኪናዋ ምስጢር ነዊሕ ዕምሪ፡ ኢኪጋይ ድዩ፧ ከመይ ገይራ እያ ኢኪጋይ ክሳዕ መወዳእታ ንጡፍን ሕጉስን ናብራ ንኽነብሩ እትሕግዞም፧ ምስጢር ነዊሕን ሕጉስን ህይወትከ እንታይ እዩ፧ትርጕም ህይወት እንታይ እዩ፧ ነዊሕ ዕድመ ምንባር ጥራይ ድዩ ወይስ ካብኡ ዝዓዝዝ ዕላማ ኸነናዲ ኣሎና፧

ናርንያ
ሲ. ኤስ. ልዊስ
(ብነቢይ ሓይለኣብ ዝተተርጐመ)
ኣርባዕቲኦም ኣሕዋት ብጥንታዊ ትንቢት ተደሪኾም፡ ነቶም ኣብ ባርነት ዝነብሩ ዝነበሩ ፍጡራት ናርንያ ናጻ ኸውጽኡ፡ ዘይትምሕር ገዛኢት ክዓልዉ እዮም ናብ ውግእ ኣትዮም። ኣብ ዛንታ ናርንያ፣ ጴጥሮስ፡ ሱዛን፡ ዓንዶምን ሉችያን ምስቲ ግቡእ ወራሲ ዝፋን ናርንያ ዝኾነ ኣስላን ሓቢሮም፡ ኣብ ውሽጦም ዝርከብ ትብዓትን ሓይልን ክድህስሱ እዮም።... ጌጋታት ክእረሙ’ዮም፡ ኣስላን ናብ ትርኢት ምስ መጸ
ደጊም ሓዘን ኣይክህሉን’ዩ፡ ድምጺ ምጕዛሙ ምስ ተሰምዐ ...

ሎሚ
ራያን ሆሊደይ፡ ስቴፈን ሃንሰልማን
(ብኢንጅ. ቶማስ በርሀ ዝተተርጐመ)
‘ሎሚ’ ካብ ፍልስፍና ስቶዋነት ዝተወስዱ 366 ዕለታዊ ኣስተንትኖታት ኣጠቓሊላ ትርከብ። ነዚ ትምህርትታት’ዚ ንምሉእ ዓመት (እንተላይ’ውን ንዝመጽእ ዓመታት) ብምክትታል፡ ሰላማዊ ህይወት ንምንባር ዘድሊ ህድኣት፡ ነብሰ-ንቕሓትን ተጻዋርነትን ከተጥርዩ ኢኹም።ሓጐስ ኣበይ ይርከብ፧ ሓቀኛ መዐቀኒ ዓወት እንታይ እዩ፧ ንሕርቃን ብኸመይ ንሓዞ፧ ንትርጕም ምንባር ብኸመይ ንርከቦ፧ ንጓሂኸ ብኸመይ ንስዓሮ፧

እቲ ዝሓየለ ሸያጢ ኣብ ዓለም - ክፋል ፪ ናይቲ ዛንታ መፈጸምታ
ኦግ ማንዲኖ
(ትርጕም፤ ኢንጅ. ቶማስ በርሀ)
ኵሎም ኣብ ህይወት ዘጋጥሙ ነገራት ኣብ ቀጻሊ ለውጢ ኣለዉ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ጠንቂ ኣብ ርእሲ ነፍሲ ወከፎም ዘጋጥም ቀጻልን ዘለዓለማውን ለውጢ’ውን እዮም።ነፍስወከፍ መዓልቲ ኣብ በሊሕ ስሕለት ተቐሚጠ ይሓልፋ። ብድሕረይ እቲ ዓሚቚ ጋህሲ ሕሉፍ ኣሎ። ኣብ ቅድመይ ድማ እቲ ንዅሉ ሎሚ ኣብ ቅድመይ ደው ዝበለ ዝውሕጥ መጻኢ ኣሎ። ዝጽበየኒ ጽሕፍቶ እንታይ እዩ ብዘየገድስ ንኣዝዩ ኣዝዩ ሓጺር እዋን ጥራይ ከም ዘስተማቕሮ ወይ ዝሳቐዮ ፈሊጠ ኣለኹ። ነዚ ርዱእ ሓቂ ኣዝዮም ውሑዳት ጥራይ ዝፈልጥዎ ክኾኑ ኸለዉ፡ እቶም ዝተረፉ ግና ሕማቕ ተረኽቦ ኣብ ዝገጥሞም እዋን ንተስፋታቶምን ሸቶታቶምን ንእለቱ ደሓን ኩን ኢሎም ከፋንዉ ይመርጹ። ...ሕጂ፡ ንዝገጥመኒ ጸበባ ክገጥም ብዝሓሸ ተዳልየ ኣለኹ። ንፈለማ እዋን፡ ኵሉ ሕማቕ ይኹን ጽቡቕ፡ ዓቢ ይኹን ንእሽቶ ብሰባት ይኹኑ ብተፈጥሮ ዝገጥም ፍጻመን ተረኽቦን፡ ምሕላፉ ከም ዘይተርፍ ተረዲአ ኣለኹ።
© Dermas Publishers 2025

ብኣሕተምቲ ደርማስ ዝተሓትሙ መጻሕፍቲ ኣብዚ ዓድጉ።
© Dermas Publishers 2025
© Dermas Publishers 2025
© Dermas Publishers 2025